Loading
ስምካ ክጽውዕ የ ሂወተይ ዩ ንሱ //2 ስምካ ዪ ሓጎሰይ ልበይ ዝዓርፈሉ ኣነስ የብለየን (ካልእ ዝዕቁበሉ) //2 የሱስ ምስ በልኩ,,,,, ኩሉ ዝኮነለይ ስምካ ዩ ሓጎሰይ,,,, ምስጢር ናይ ሂወተይ ኣብ ስምካ ምውካል ፈውስ ሓይል ኣሎዎ ኣብ ስምካ ምእማን ፈውሲ ሓይሊ ኣሎዎ//4 የሱስ ኢለ ስምካ ጸውዐ ሰላም ረኪበ ብኡ ዓጊበ የሱስ ኢለ ስምካ ጸዊዐ ሓይሊ ረኪበ ኣዝየ በርቲዐ//2 ስምካ ስ የሱስይ ጽኑዕ ግንቢ ዩ ከም ዝብሎ ቃልካ መዕቆቢ ክይኑኒ ኣነ ውን ብግደይ ነዚ ምስክር የ //4 የሱስ ኢሉ መን ኢዩ ከሲሩ ኣይስማዕኩን ዝተማረረ //2 ስምካ ጸዊዐ ኣይደከምን ኢየ ንሱ ዩ ምስጢር ትርጉም ናይ ምንባረይ ናይ ዘላኣለም ርስቲ ኩሉ ዝኮነለይ //4 እቲ ቁቡእ ስምካ ኣብ ዝጸዋዕኩሉ ኩሉ ግዜ ዓወት ስዕረት ዘይብሉ እቲ ቁቡእ ስምካ ኣብ ዝድሃኩሉ ኩሉ ግዜ ዓወት ስዕረት ዘይብሉ//4
Comments
Comments, source notes, and missing-line fixes from contributors.
Revision history
Approved updates stay visible so the editing trail remains transparent.