Loading
ድሌተይሲ ምሳኻ ሙዃን'ዩ ልበይ ዝደልዮሰ ንዓኻ ጥራይ`ዩ ካልእ ናፍቆት የብላን ነፍሰይ ከምቲ እራብ ትናፍቕ ዓይኒ ማይ ካልእ ናፍቆት የብላን ነፍሰይ ካልእ ሃረርታ የብላን ነፍሰይ ኣሃሃሃሃይ .....ኣሃሃሃሃይ ክግስግስ‘የ ክግስግስ ናብ`ቲ ዘለኻዮ ድፍፍእ ሰጊረ ዘፈርካ ኽትንክዮ ኣብኡ እንድዩ ዘሎ እቲ ናተይ መልሲ ኣብኡ እንድዩ ዘሎ እቲ ናተይ ፈዉሲ ምሰ ተንከኹኻ ሓይሊ ኣሎኒ ከምዝበርታዕኹ ይፍለጠኒ ምሰተንከኹኻስ ለዉጢ ኣሎኒ ከምዝሓወኹ ይፍለጠኒ ሓይሊ ኣሎ ኣብ ስምካ ሓይሊ ኣሎ ስምካ ጸዉዔ ድሒነ እንድየ ስምካ ጸዉዔ በርትዔ እንድየ ስምካ ጸዉዔ ሓይለ እንድየ ስምካ ጸዉዔ ስዒረ እንድየ የሱሰ ስቕ በል ዝብሉ ገዲፈ ኣነሰ ክጭድር‘የ ክሳዕ እትበጽሓኒ ኣየቋርጾን‘የ ንዝጽዉዕዎ መልሲ'ለዎ ስምካ ብርግጽ ብሓቂ ወዲ ዳዊት ኢኻ ድምጸይ ሰሚዒኻ ምስ በጻሕኻኒ ዑረት ጠፊኡ እኔኹ ይርኢ ህላዉነትካ ምሰ ተንከፈኒ ዑረት ጠፊኡ እኔኹ ይርኢ ሓይሊ ኣሎ ኣብ ስምካ ሓይሊ ኣሎ ስምካ ጸዉዔ ድሒነ እንድየ ስምካ ጸዉዔ በርትዔ እንድየ ስምካ ጸዉዔ ሓይለ እንድየ ስምካ ጸዉዔ ስዒረ እንድየ
Comments
Comments, source notes, and missing-line fixes from contributors.
Revision history
Approved updates stay visible so the editing trail remains transparent.