Loading
Singer
ኣብ የማናይ ኢድካ ንዝወቀጥካኒ መሕደሪኻ ክኽውን ንዝሓረኻኒ ሂበካ የ ኣነ መሉእ ዘመነይ ንስምካ ክኽብር ንሱ ዩ ዕጋበተይ (፪x) አዝ፦ ኣሎካ (፫x) ኣብ ጎነይ ዘይትጥንጥነኒ ብናይ ዕርቡን መንፈስ ዝሓተምካኒ ናተካ የ ዘለኣለም መን ዩ ዝኽሰኒ (፫x) ሓለዋካ ንዓይ ኣዝዪ ይግረመኒ ብየማን ብጸጋም ክትክበኒ ካልእ ኣይፈልጥን ንልበይ ዘዕረፈ ንስኻ ኢኻ የሱስ ንዓይ ሂወት (፪x) አዝ፦ ኣሎካ (፫x) ኣብ ጎነይ ዘይትጥንጥነኒ ብናይ ዕርቡን መንፈስ ዝሓተምካኒ ናተካ የ ዘለኣለም መን ዩ ዝኽሰኒ (፫x) ብምህሌት እስራኤል እትነብር ኣምላኽ ኣነ ውን ብግዜይ ንስምካ ይባርኽ ንዓኻ ምኽባር ዩ ንሱ ዪ ሂወተይ ካልእ የብለይ ዝሸሞ ኣብ ርእሰይ (፪x) አዝ፦ ኣሎካ (፫x) ኣብ ጎነይ ዘይትጥንጥነኒ ብናይ ዕርቡን መንፈስ ዝሓተምካኒ ናተካ የ ዘለኣለም መን ዩ ዝኽሰኒ (፫x)